ኣካልኩም - ሂወትኩም። ናይ ጥዕናን ባዕልኻ ምውሳንን መሰልኩም።
ንሕና ንሕግዘኩም!
ክንምለሰኩም ኢና!
Die abgesendeten Daten werden zum Zweck der Bearbeitung Ihres Anliegens verarbeitet. Weitere Informationen finden Sie in unseren Datenschutzhinweisen.
ዝርርብ ዘድልዮ
- ናትኩም ሓገዝ ዲኹም ትደልዩ ዘለኹም ወይስ ናይ ብጻይኩም?
- ንካልእሰብ ዲኹም ክትከላኸሉ ትደልዩ ወይስ ብዛዕባ ሓንቲ ጓል ኢኹም ተሻቒልኩም?
- ምስ ስደተኛ ጓል ኢኹም ትሰርሑ ከሙኡድማ ብዛዕባ እቲ ኣርእስትታት ክትፈልጡ ትደልዩ ኢኹም?
- ምናልባት ባዕልኹም ንጡፍ ኮንኩም ንዓና ክትሕግዙና ትደልዩ ትኾኑ።
ንዓና ብቴለፎን ክትረኽቡና ኣይትሰከፉ፡ 0431 26093119
ንሕና ነዚ ንህብ
- ምኽሪ፡ ደገፍን ደገፍን ን ብ ክሽቦ/ግዝረት ንዝተተንከፋ ወይ ዝሰጋኣ ኣዋልድን ደቀንስትዮን
- ምብራኽ ንቕሓትን ትምህርትን ኣብ ጥዕና፡ ጾታውነትን ክሽቦ/ግዝረት ናይ ደቀንስትዮን ተባዕትዮን።
- ምብራኽ ንቕሓትን ትምህርትን ኣብ ዓውዲ ክሽቦ/ግዝረት ን ሞያውያንን ትካላትን
- ናይ ጉጅለ ዝውሃብ፡ ናይ ሓበረታ ካፈን ህዝባዊ ርክባት ስራሕን
ብዘይ ክፍሊትን ምስጥራውን ብቑዕን!
ብሓጺር ሓበረታ ሓገዝ ትደልዩ ዶ?
በሉ ምሳና ተራኸቡ!
ትውከስዎም ሰባት

Renate Sticke
መራሕ ፕሮጀክት
0151 46159865
Renate.Sticke
@diakonie-altholstein.de

Entesar Al-Bareki
ማናጀር ፕሮጀክት
0151 58069235
Entesar.Al-Bareki
@diakonie-altholstein.de

Paul Hirnstein
ስታፍ ፕሮጀክት
0151 58069240
Paul.Hirnstein
@diakonie-altholstein.de

Natsnet Tesfamichal Hagos
ማናጀር ፕሮጀክት
ቀጻሊ ዝሕተቱ ሕቶታት
ትርጉም ናይ FGM/C ኣሕጽሮተ ቃል እንታይ እዩ?
ኣሕጽሮተ ቃል FGM/C ድማ „Female Genital Mutilation/Cutting“ እዩ፡ እዚ ድማ ምጉንዳብ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ብልዕቲ/ግዝረት እዩ።
ናይ ጓል ኣንስተይቲ ምኽንሻብ/ግዝረት እንታይ እዩ?
እዚ መስርሕ ድማ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ግዳማዊ ብልዕቲ ምኽንሻብ እዩ ዘጠቓልል። ዕድመ ኣብ ግዜ ግዝረት ድማ ኣጸቢቑ ክፈላለ ይኽእል እዩ።
ምኽንሻብ ስለምንታይ እዩ ዘሎ?
ምኽንሻብ ብባህሊ እዩ ዝምኽነ፡ ካልኦት ብዙሓት ምኽንያታት ኣለው።
ሳዕቤናት ምኽንሻብ እንታይ እዮም?
ብሰንኪ ምኽንሻብ፡ ገለ ኣዋልድን ደቀንስትዮን ጥዕናውን ስነ-ኣእምሩኣውን ጸገማት ኣለወን።
ናይ ደቀንስትዮ ምኽንሻብ ክልኩል ድዩ?
እወ! ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምኽንሻብ ክልኩል እዩ። ብ ጀርመን ገበናዊ በደል እዩ።
ኣነ ኣብ TABU እንታይ ሕቶታት ከብርህ ይኽእል፡ ንኣብነት?
ኣነ ዓርከይ ከይትኽንሸብ ፈሪሀ ኣለኹ። እንታይ ክገብር ይኽእል?
ኣነ ተኸንሺበ እየ ነብሰጾር ድማ እየ። እዚ እንታይ ማለት እዩ?
ኣነ ናብ ሓኪም ክኸይድ ኣይደፍርን እየ። መን ክሕግዘኒ ይኽእል?
ኣነ ጓለይ ክትክንሸብ ኣይደልያን እየ። ኣበይ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል?
ኣነ ወትሩ ኣብ ቃንዛ ኣለኹ። እንታይ ክገብር ይኽእል?
ኣነ እዚ ዘጋጠመን ካልኦት ደቀንስትዮ ውን ክረክብ ይደሊ እየ!
ዝኾነ ካልእ ሕቶታት ኣሎ ድዩ?
ኣብ’ዚ ክትረኽቡና ትኽእሉ፡
ቴለፎን፥ 0431 26093119
ኢ-መይል tabu@diakonie-altholstein.de